ኣብ ሽወደን ዘሎ ቢዝነስኻ — ብ HittaOss ፍሉጥ ግበሮ
ኣብ ሽወደን ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያን ከምኡ’ውንካልኦት ምብራቅ ኣፍሪካውያን ንግዲ ኣለዎም። ካቴሪንግ ዝሰርሑ፡ ጸጉሪ ዝቅምቅሙ፡ ትርጉም ዝህቡ፡ ፎቶግራፍ ዝሰርሑ — ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ክእለት ኣለዎም። ግን ሓደ ዓቢ ጸገም ኣሎ: ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጥዎምን።
እቲ ጸገም ክእለት ዘይምህላው ኣይኮነን። ኣብ ኢንተርነት ፍሉጥ ዘይምዃን እዩ።
HittaOss.se ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ዝተሃንጸ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ኣብ ሽወደን ዘሎ ምብራቅ ኣፍሪካዊ ማሕበረሰብ — ሰባት፡ ንግዲ፡ ኣገልግሎት — ኩሉ ኣብ ሓደ ቦታ ዝርከቦ መምርሒ። ሓደ ኤርትራዊ ሰብ ኣብ ስቶክሆልም ምግቢ ደልዩ ምስ ዝደሊ፡ ናብ HittaOss ይኸይድ። ሓደ ሰብ ትርጓሚ ኣብ ማልሞ ደልዩ ምስ ዝደሊ፡ ናብ HittaOss ይኸይድ።
ሊስታኻ ስለምንታይ ኣገዳሲ እዩ?
ፌስቡክ ጉርሻ፡ ዋትስኣፕ ጉጅለ — ኩሉ ጽቡቕ እዩ። ግን ሓደ ሰብ ኣብ ጎግል “ኤርትራዊ ምግቢ ጎተቦርግ” ምስ ዝደሊ፡ ፌስቡክ ኣይርከቦን ኢዩ። ግን ኣብዚ ተመዝጊብካ ክትሪከብ ኢካ። ኣብ HittaOss ዘሎ ሊስቲን ናትካ ሃነጽ — ምስ ስምካ፡ ቁጽሪ ስልኪ ፡ ብሩህ ስእሊ ፡ ፍሪያትካ ፡ ኣገልግሎታትካ ፡ ከለትካ ፡ካልአን።
ቡኪንግ ሲስተም ተጠቐም
HittaOss ናይ ቀጻሊ ቡኪንግ ሲስተም ኣለዎ። ዓሚልካ ብቐጥታ ናብ ናትካ ፕሮፋይል ኣቲዩ ግዜ ክሕዝ ይክእል። ናብ ዋትስኣፕ ደወል ምልኣኽ ዘየድሊ።
ሪቪዩ — ናይ ማሕበረሰብ ምስክር
ሓደ ዓሚል ካብ HittaOss ናብ ናትካ ፕሮፋይል ምስ ዝኣቱ፡ ካልኦት ኤርትራውያን ሶማላውያን ዝጸሓፍዎ ሪቪዩ ምስ ዝርኢ — ምትእምማን ብቕጽበት ይፍጠር። ሓደ ሰብ ዝፈልጠካ ዘይብሉ ናይ ሓምሳ ሪቪዩ ምስ ዝሪኢ አምነት የሕድር።
ሎሚ ጀምር
ሊስቲን ምህናጽ ትሕቲ 15 ደቓይቕ ይወስድ። hittaoss.se ኪድ፡ “Add Listing” ጠውቕ፡ ናትካ ዱካን ክፈት። ማሕበረሰብካ ይደልዩኻ ኣለዉ ።
