Product Description
ኣብ ዘይነኣምነሉ ሓሳባት ብዙሓት ሰባት ስለ ዝተቀበልዎ ጥራሕ ንኸይንንጸል ዝተቀበልናዮ ኣሎ ዶ? ናይ ዝበዛሕና መልሲ እወ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቲ ደቂ ሰባት ብሰባት ናይ ምጽላው ተኽእሎና ዓቢ ስለዝኾነ። ቀዳማይ ስምምዕ • ኣብ ቃልካ ኣበር-ኣልቦ ኩን! ከምዚ ኣቀዲምና ዝጠቀስናዮ ብንሰምዖን እንርእዮን ኩሉ ኣብ ዙርያና ዘሎ ናይ ምጽላው ተኽእሎና ዓቢ እዩ። ስለዚ ንነብስና እንታይ ንብላን፥ እንታይ ነስምዓን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣነ ሓያል፥ ንዝበድሃኒ ነገር ክስዕሮ ይኽእል እየ ምስ ንብል ብልክዕ ክንስዕሮ ኢና። ብኣንጻር ናይዚ ኣነ ድኹም እየ ዓቅሚ የብለይን ምስ ንብል ድማ ድኹማት ክንከውን ኢና። ካልኣይ ስምምዕ • ንዝኾነ ይኹን ነገር ብውልቂ ኣይትውሰድ/ ናብ ውሽጥኻ ኣይትእትዎ! ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ መንገዲ ረኺቡ ንስኻ ክፉእ ኢኻ ይብለካ፡ ንስኻ ድማ ብውልቂ ትወስዶ። ምስ ነብስኻ ክሳብ ክንድዚ ድየ ክፉእ እንዳበልካ ኣብዘይተደልየ ሓሳብ ክትሽመም ኢኻ። ብውልቂ ምስዘይትወስዶ ግን ምንም ድምብርጽ ኣይብለካን እዩ ስሒቅካዮ ኢኻ ክትሓልፍ። ዝኾነ ነገር ብውልቅኻ ናይ ዘይምውሳድ ባህርያት ምስ ተማዕብል ማእለያ ዘይብሎም ጭንቀት፥ቁጥዐ፥ ቅንኢ፥ ቂምን በቀልን ካባኻ ክተርሕቕ ኢኻ። ስልሳይ ስምምዕ • ኣይትገምት! ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ምግማት እንኣቱ ነቲ ዘይንፈልጦ ነገር ምሕታት ስለእንፈርሕ ኢና። የግዳስ ጌጋታትና ንምቅናስ ኣብ ክንዲ ምግማት ናይ ምሕታት ባህሪ ክነጥሪ ኣሎና። ራብዓይ ስምምዕ •ወትሩ ዝከኣለካ ግበር! ንነገራት ኣይክእልን እየ ኢልካ ካብ ምፍታን ኣይተቃርጽ ኩሉ ግዜ ዝከኣለካ ግበር። ቀሊል ዝበሃል ነገር የለን የግዳስ ነገራት ምስ ጀመርካዮም እንዳመለኽካዮም ስለትኸይድ እንዳቀለሉ እዮም ዝኸዱ። ብኣንጻር ናይዚ ድማ ንነገራት ኣብ ሓጺር ግዜ ክትዛዝሞም ብምድላይ ልዕሊ ዓቅምኻ ኣይትግበር ምኽንያቱ ናይ ድኻምን ምሽልሻውን ከጋጥመካ ስለዝኽእል። ነዞም 4 ስምምዓት ብሓባር ምስ እንግዛእ ኣብ ውሽጢ ሕልሚ ናይ ገሃነም ክንነብር እንኽእለሉ ወላ ሓንቲ ዕድል የለን። ብቃልካ ኣበር ኣልቦ እንተኾንካ፥ ዝኾነ ነገር ብውልቂ እንተዘይወሲድካ፥ ኣብ ክንዲ ምግማት ምሕታት እንተተላሚድካ፥ ኩሉ ግዜ ዝከኣለካ ትገብር እንተኬንካ ብዘይጥርጥር ጽቡቅ ህይወት ክትነብር ኢኻ። ህይወት ድማ 100 ካብ 100 ኣብ ትሕቲ ቁፅርካ ክትከውን እያ።










Reviews
There are no reviews yet.