Product Description
ዛንታ ብፍቕሪ ዝተሰብረ ልቢ፡ ጎፍታ ፍቕሪ፡ ሕቶ ህላወ ዳግማይ ሓቐኛ ፍቕርን፣ ስደት ሓሳባቱ፡ ጉዕዞኡ፡ ሳዕቤናቱን ዘይሃስስ ልቢ ኣእላፋት ዘድመየ ትራጀዲኡን። ርጉጽ መልሲ ዘይተረኸቦም ሕቶታት ብተባዕ ተግባራዊ ዳህሳስ፡ ሓያል ፈተና ሓሊፎም ዝተበጽሑ ሓቅታት። ኣብ መጽሓፍ ባሕሪ ምስ ሰገርኪ ግምታት፡ እንተታት ዘይርጉጽ መጻኢን ልቢ ኣሸፊቱ፡ ኣአምሮ ዘየቕስን ፍቕርን ንሓድሕዱ ዘይቃዶ ጽልዋታቱ ኣብ ምህሮን ዕላማ ሂወትን፡ ብምኽርን ርእይቶን ሓሳባትን መዛኑ ዝማእከለ ዝምድናታት፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ኣብ ዘይተሓስበ ሰዓት ብዘይተሓስበ መገዲ ብልጭ ኢሉ ጣልቃ ብምእታው ካብቲ ልሙድ ጉዕዞ መኣዝንካ ኣስሒቱ፡ ካብ የማን ንጸጋም እንተፈትዩ ውን ካብ ጸጋም ንየማን ዝጠዋዊ ድላዩ ዝገብረካ ፍቕሪ ንምስዓር ሓሳባትካ ምስ ክውንነት ኣወሃሂድካ ሕልናኻ ብሰናይ ኣቓኒኻ ንምብድሁ ዝካየድ ቃልሲ፡ ክርክርን ሓፈሻዊ ዕላላትን ኣብ ጉዳይ ምስራሕ ፍቕሪ ኣብ ዓራት፡ ኣቕሊልካ ዘይረአ ጽልዋታቱ ኣብ ዘመናዊ ፍቕራዊ ግጥም ኣንጻራውያን ጾታታት። ኣብ መጽሓፍ ባሕሪ ምስ ሰገርኪ ሓሳባት ስደት ምስ ክውንነት፡ ህሉው ናብራ ተስፋታትን ርሁው ናብራ ኣብ ስደትን ብድሆታቱን ጎሲኻ ሕልምኻ ንምትግባር ድቃስ ለይቲ እንክትሰእን፣ ብዓርከ መዘናን ብህሉው ኩነታትን እንክትጽሎ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ነውጺ፡ ተራ እቲ ቆጻዪ ሕልሚ፡ ዘየቋርጽ ዋሕዚ መንእሰያት ምዕጋት ዝተሓለሎ ማእከላይ ባሕሪን ጽልዋታቱን ከይጎሰየት፡ ኣብዛ ሓጻር ፍቕራዊት ልብ-ወለድ መጽሓፍ ባሕሪ ምስ ሰገርኪ ተኻቲቱ፡ ንሕቶታት ፍቕርን ኣብ ዘይፍጹም ዓለም ምንባር፡ ብሞራላዊ ክብደት ዝተሳሕቡ ዓንኬላት ኣዕሩኽን፡ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ህይወት ኖህን ኤፍራታን እናዳህሰሰት፡ ፍቅራዊ ስንክሳር ብዛዕባ ሰብኣውነት፡ ንፍቕርን በደልን ዝምልከት ፍልስፍናውን ሞራላውን ኣስተንትኖታት ዝሓዘ ምስጢራዊ ዛዕባ ተቛንያ ብደራሲት ጽገሬዳ ተኽለኣብ ብውሕሉል ኣገባብ ተጻሒፋ ንኸተንብብዋ ኣኣብ ከባቢኹም በጺሓ ኣላ እሞ ወንንዋ፣ ኣንብብዋ፣ ኣስተማቕርዋ።










Reviews
There are no reviews yet.